Se alla

ሊበራላውያን (Liberals)– ንናጽነት፡ ንትምህርትን ንማሕበራዊ ውህደትን።

ሊበራውነት ማለት ናጽነት እዩ። ብገዛእ-ድሌትኩም ናብራኹም ንኽትነብሩ ንዝህልወኩም ናጽነት ዚምልከት እዩ። ብዘለኩም ጾታ፣ ዝመጸእክሙዎ ቦታ ወይ ዘለኩም ጾታዊ ኣቓውማ ክድረት ኣይግባእን። በቲ ዘለኩም ገንዘብ ዝደለኽሙዎ ንኽትገብሩ ዝያዳ ናጽነት መታን ክህልወኩም ተባሂሉ ካብ ኣካላዊ ጥዕናን ድሕነትን ዚጅምር ክሳዕ ምጉዳል ግብሪ ንዝኸይድ ኲሉ ነገር ዚምልከት እዩ። ንናጽነትን ናጽነት ምግላጽ ሓሳብን፣ ብቚዕ ትምህርቲ ናይ ምርካብ መሰል ከምኡውን ኣብ ሕብረተሰብ ድሕነት ውሑስ ንዚገብር ሓያል ግዝኣተ-ሕጊ ኲሉ ግዜ ንከላኸለሉ ኢና። እዚ ናጽነት ይብሃል፣ እዚ ድማ ሊበራዊ ምዃን ማለት እዩ።

”እቲ ዝመጻእክሙሉ ቦታ ወይ እትቕመጥሉ ዘለኹም ቦታ፡ ንብቕዓት’ቲ ትምሃርሉ ቤት ትምህርቲ፣ ኣብ መዓልታዊ ህይወት ውሑሳት ንኽትኮኑ ወይ ስራሕ ንኽትረኽቡ ዘለኩም ዓቕሚ ኪውስን ኣይግባእን፣  ኲሉ ሰብ ድማ ኣብ ገዛእ ህይወቱ ንኺውስንን ንዘለዎ ሕልምታት ንኺፍጽም ጻዕሪ ኺገብር ንኺኽእልን ዕድል ኪህልዎ ይግባእ።”

ሊበራዊ ዓቃባዊ መንግስቲ

ማሕበራዊ ደሞክራስያዊ መንግስቲ፡ ኣብ ትምህርትን ማሕበራዊ ውህደትን ንሸሞንተ ዓመታት ኣይተዓወተን። ስዊድን፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ንዘሎ ጸገማትን ንማሕበራዊ ግልሉነት ዘወግድን መፍትሒታት ዘምጽእ ሓያል ሊበራዊ ሰልፊ ዘለዎ ዓቃባዊ መንግስቲ የድልያ ኣሎ። ሊበራውያን፡ ምስ ልዙባዊ ሰልፍ (Moderate Party) ከምኡውን ክርስትያናውያን ደሞክራስውያን (Christian Democrats) ብምትሕብባር መንግስቲ ክንምስረት ንደሊ። ነቲ ዘሎና ፖሊሲታት ኣብ ተግባር ንምውዓል፡ ኣብ ሪክስዳግ (Riksdag) ምስ ዝርከባ ኲለን ሰልፍታት ንኽንዘራረብ ተዳሊና ኣሎና።

ትምህርትን ማሕበራዊ ውህደትን

ትምህርቲ፡ ጉዳይ ናጽነት እዩ። እታ ጽባሕ ንኽትከውን ንጽበያ ስዊድን፡ ኣብዚ ግዜ’ዚ ኣብ ዘሎ መምሃሪ ክፍልታትና ንኽትህሉ እንጽበዮ ነገር እዩ። ስለዚ ድማ ሊበራላውያን፡ ንትምህርቲ ቀዳምንት ዚህቡ እዮም። ሊበራላውያን፡ ሰልፊ ማሕበራዊ ውህደት ስዊድን እዮም። ፖሊሲ ማሕበራዊ ደሞክራሳዊ ውህደት፥ ውሑድ ናይ ናብራ ዕድላት ኣብ ዘለዎ ዝተወጽዔ ቦታታት ዝቕመጡ ፍርቂ ሚልዮን ሰባት ከምዝህሉ ዝገበረ እዩ። ስዊድን፡ ዝተወጽዔ ቦታታት ዘይብላ ሃገር ንኽትከውን መደብ ኣሎና። እዚ ክዉን መታን ክኸውን፡ ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲ ንዝውሃብ ፍልጠት፡ ኣብ ትምህርቲ ንዝህሉ ስርዓትን ድሲፕሊንን፣ ንሓደስቲ መጻእተኛታት ዝውሃብ ናይ ቛንቋ ትምህርታት፣ ስራሕ ዝሰርሑ ሰባት ዝኸፍልዎ ትሑት ግብሪ፣ ዝያዳ ዕድላት ስራሕን ድሕሪ’ቲ ኣብ ጽድያ ዝግበር ምርጫ ኣብ ዝቐውም ሓድሽ መንግስቲ ዓቢ ኣተክሮ ኺገብር የድልዮ።

ጆሃን ፐህርሰን (Johan Pehrson)

ስም መራሒ ሰልፊ ሊበራላውያን፡ ጆሃን ፐህርሰን እዩ፣ ካብ ኦረብሮ (Örebro) ድማ ዝመጸ እዩ። ዕድሚኡ፡ 54 ዓመት እዩ፣ ኣቦ ኣርባዕተ ቆልዑ፡ ወናኒ ቢዝነስን ጠበቓን እዩ። ጆሃን፡ ፖሎቲከኛ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ንስዊድን ስለዝፈትዋን ኣብ ለውጢ ስለዝኣምንን እዩ።

ልዑል ኒሕ ዘስንቕ ፖሊሲ ትምህርቲ

ሰልፊ ሊበራላውያን፡ ንትምህርቲ ቀዳምነት ዚሰርዕ ሰልፊ እዩ። ኲሉ መምሃሪ ክፍልታት፡ ስሩዕን ድሲፕሊን ዚመልኦን ክኸውን ይግባእ። ኲሎም ተማሃሮ፡ ንዂሉ ዓውድታት ዚምልከት ግቡእ መምሃሪ መጽሓፍቲ ክህልዎም ይግባእ። ወለድን ተማሃሮን፡ ንዚምሃሩላ ቤት ትምህርቲ ባዕሎም ዚመርጹ ኪኾኑ ኣገዳሲ እዩ። ብናጻ ዝምህራ ኣብያተ-ትምህርቲ ኣብ ስዊድን ክህልዋ ይግባእ፣ እቲ ብቕዓት’ቲ ምስትምሃር፡ ካብቲ ዋጋ ብርክታት ናይቶም ንኩባንያታት ዘካይዱ ዘለዉ ሰባት ድማ ዚልዓለ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።

ኣብ ፍልጠት ዘተኮረት ቤት ትምህርቲ

ካብ ቤት ትምህርቲ ኪርከብ ዘለዎ ትምህርታዊ ውጽኢታት ኪብርኽ የድልዮ እዩ። እቶም ሓገዝ ዘድልዮም ተማሃሮ፡ ኣቐዲሙ ሓገዝ ኪውሃቦም የድሊ፣ እቲ መምዘኒታት ውጽኢት ነጥቢ ድማ ብንጹር ኪውሃብ ይግባእ። እቶም ትምህርቲ ዝቐለሎም ተማሃሮ፡ ካብኡ ዝበርትዔ ትምህርቲ ከምዝምሃሩ ብምግባር ከምዝብድሁ ኺግበር ይግባእ። ሸቶና፥ ኣብ ስዊድን ዝርከባ ኣብያተ-ትምህርቲ፡ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዋ ኣብያተ-ትምህርቲ እተን ዝበለጻ ንኽኾና እዩ።

ኣብ መምሃሪ ክፍሊ ዝያዳ ግዜ ምሕላፍ

ብመምህር ዝምራሕ ትምህርታት ከነዛይዶን ናይ ምስትማሃር ሰዓታት ድማ ከምዚውስኽ ኽንግበር የድልየና። እቶም ትምህርቲ ዝኸበዶም ተማሃሮ፡ ተወሳኺ ናይ ትምህርቲ ግዜ ክውሃቦም ይግባእ፣ እቶም ትምህርቲ ዝቐለሎም ተማሃሮ ድማ ተወሳኺ ትምህርቲ ብምሃብ ከምዝብድሁ ኺግበር ይግባእ። እቶም ብቚዕ ትምህርቲ ከይቀሰሙ ናይ ምውጻእ ተኽእሎ ዘለዎም ተማሃሮ፡ ኣብ እዋን በዓላት ከምዝምሃሩ ኺግበር ይግባእ።

ሰላማዊ ናይ ስራሕ ሃዋሁ ንኽህሉ ዝያዳ ስርዓት ከምዝህሉ ምግባር

ኣብዚ እዋን’ዚ ዘለዋ ኣብያተ-ትምህርቲ፡ ዝያዳ ዘይስሩዓትን ዘይውሑሳትን እየን። ኣብያተ-ትምህርቲ፡ ሕግታት ስነስርዓት ክህልወንን ነቶም ንመዛንኦም ተማሃሮ ዝርብሹ ተማሃሮ ድማ ንጹር ስጉምቲ ክወስዳሎምን ይግባእ። መምሃራን፡ ኣብ መምሃሪ ክፍሊ ናቶም ውሳኔ ኪህቡ ይግባእ፣ ኣብ ግዜ ትምህርቲ ስርዓት ንኽህሉ ድማ ንጹር ስልጣን ኪውሃቦም ይግባእ። ድሕሪ’ዚ ጥራይ ድማ ተማሃሮ ኣብ ትምህርቲ ከተኩሩን ስምዒት ውሕስነት ክስምዖምን ይኽእል።

 

ንማሕበራዊ ግሉልነት ዘወግድ ፖሊሲ ማሕበራዊ ውህደት

ንማሕበራዊ ውህደት ዚከታተል፣ ብዙሓት ካብቶም ዝተገለሉ ሰባት ቛንቋ ስዊድን ከምዝምሃሩ ዚገብር፣ ናብ ዕዳጋ ዕዮ ኣትዮም፡ ኣካል ሕብረተሰብ ከምዝኾኑ ዚገብር ፖሊሲታት ኣሎና። ኣብ ሃገርና ዚርከብ ሓድሽ ይኹን ናይ ቀደም ነፍስወከፍ ዜጋ፡ ኣብ ውሑስ ቦታ ንኺቕመጥ መሰል ኣለዎ።

ኣተኲሮ ኣብ ቛንቋ ስዊድን

ቛንቋ ስዊድን፡ ናብ ሕብረተሰ ስዊድን ንኽትጽንበር ኣገዳሲ እዩ። ነቶም ሓደስቲ መጻእተኛታት ዝኸውን ቛንቋ ቅደመ-ትምህርቲ ክህሉን ዜግነት ንዝውሃቦም ድማ ናይ ቛንቋ ፈተና ኽገብሩን ድሌት ኣሎና። ዝያዳ ሰባት፡ ቛንቋ ስዊድን ኣብ ቦታ ስራሕ ኪምሃሩ ይግባእ፣ ሓደስቲ መጻእተኛታት ድማ ኣብ ስዊድን ካብ ዝኣተውላ መዓልቲ ጀሚሮም ቛንቋ ስዊድንን ዜግነታዊ ትምህርትን ክረኽቡ ይግባእ። ኣብ ቛንቋ ስዊድን ኣተኲሮ ከይገበርካ፡ ንማሕበራዊ ውህደት ከተካይዶ ኣይከኣልን እዩ።

እቲ ኪሰርሕ ዚኽእል ኲሉ ሰብ ኪሰርሕ ይግባእ

ንንኣሽቱ መንእሰያትን ሓደስቲ መጻእተኛታትን ዚኸውን ዝያዳ ሞያዊ ትምህርታት ኪውሃብ የድሊ እዩ። ብመንግስታዊ ናብዮት (ዌልፈር) ኣብ ክንዲ ምንባር፡ ቅሩብ ትሕት ዚበለ ክፍሊት ዘለዎ ናይ መጀመርታ ስራሕ ምርካብ ይበልጽ ኢልና ንኣምን። ኲሉ ሰብ፡ ስራሕ ንኺሰርሕ፣ ናይ ገዛእ-ርእሱ ኣታዊ ኪረክብን ኣብ ሕብረተሰብ ኣበርክቶ ኺገብርን ዕድል ኪውሃቦ ይግባእ።

ኣንጻር ሓለፋ ክብሪ ዚህብ ባህሊ ዚውሰድ ወሳኒ ስጒምቲ

ሓለፋ ክብሪ መሰረት ዚገበረ ዓመጽ፡ ኣብ ኣሽሓት ንኣሽቱ ኣዋልድን ኣወዳትን ጽልዋ ይገብር ኣሎ። ትምህርትን ክንክን ጥዕናን፡ ነቲ ብስም ሓለፋ ኽብሪ ንዘጋጥም ዓመጽ ብዚሓሸ ኺከላኸል የድሊ። ሊበራላውያን፡ ናይ ትሕተ-ዕድመ መርዓን ኣብ መንጐ ኣዝማድ ዚግበር መርዓን ምሉእ ብምሉእ ኪውገድ ከምኡውን ነቶም ገበናት ሓለፋ ክብሪ ዝፍጽሙ ሰባት ድማ ተወሳኺ ከቢድ መቕጻዕታት ኺግበር ይደልዩ።

 

ተወሳኺ ፖሊሲታት ሊበራላውያን

ክሊማ ዚዕቅብ ቴክኖሎጂያዊ መፍትሒታት ሓድሽ ቴክኖሎጅን ምህዞን፡ ንለውጢ ክሊማ ንምቊጽጻር ኣገዳሲ’ዩ ኢልና ንኣምን። ሓድሽ ኑክለስያዊ ጸዓት ክንሃንጽ ድሌት ኣሎና፣ ብከላ ኣየር ድማ ዋጋ ከምዘኽፍለና ንኣምን ኢና።

ኣብ ስራሕ ንዚኽፈል ግብሪ ምጒጻል። ንኺትሰርሕን ንኺትምሃርን ክትከፍል ናይ ግድን እዩ። እንተኾነ ግን ተራ ዜጋታት፡ ዝያዳ ኣታዊ ንኺረኽቡ ግብሪ ከነጉድል ከድልየና እዩ፣ ብመንግስታዊ ናብዮት ካብ ምንባር ንላዕሊ፡ ስራሕ ምስራሕ ኲሉ ግዜ ዝያዳ ኣርባሒ ክኸውን ይግባእ።

እወ ንኤውሮጳ። ናይዚ እዋን’ዚ ብድሆታት፡ ብሓባር ምስእንሰርሕ ጥራይ ክፍታሕ ይኽእል ኢልና ንኣምን። ኣብ ክሊማን ማሕበራዊ ውህደትን ከምኡውን ኣብ ለውጢ ክሊማ ዘተኮረ ስግረ-ሃገራት ንዘጋጥም ብድሆታት ንምፍታሕ፡ ኣብ መንጐ ሃገራት ኤውሮጳ ዝያዳ ምትሕብባር ኺገብር ይጠልብ።

ህላወ ውልቃዊ ሓገዝ። መሰል ውልቃዊ ሓገዝ ነቶም ዘድልዮም ሰባት ብምትእትታውና ሕቡናት ኢና። ኣብ መዓልታዊ ህይወትኩም ሓገዝ ዘድልየኩም ይኹን ኣይኹን፡ መሰል ናይ ገዛእ-ርእስኹም ህይወትን ናጽነትን ክህልወኩም ይግባእ።